ቋንቋ ሆላንድኹም ኣመሓይሹ

ገና ቋንቋ ሆላንድ ጽቡቕ ጌርኩም ክትዛረቡ፣ከተንብቡ ወይ ክትጽሕፉ ብዘይምኽኣልኩም ስራሕ ክትረክቡ ዝኸበደ ኾይኑ? ወርክሰ! ኣብ ምምሕያሽ ቋንቋ ሆላንድ ብምትኳር ስራሕ ክትረክቡ ክሕግዘኩም ይኽእል። ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስ ክእለት ቋንቋኩም እትለማመዱሉ ቦታ ወይ ናይ ስራሕ-ተመኩሮ ቦታ ክተዋሃህዱ ትኽእሉ ኢኩም ።

ትምህርቲ ቋንቋ

ንቋንቋ ሆላንድኩም ንምምሕያሽ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ። ሓፈሻዊ ስርዓት ናይቲ ቋንቋ ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኩም፤ከምኡ ከዓ ፍሉይ ዕላማ ሒዝኩም ናይ ስልጠና እዮታት ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኩም። እዚ ንነብስኩም ምእንቲ ክትከናኸኑ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ ምናልባት ከም ክንክን ጥዕና ዝጥቀመሉ ፍሉይ ቋንቋ ዝኣመሰለ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ዝያዳ ኣንብቡ

ምንባብን ምጽሓፍን

ቋንቋ ሆላንድ ብደምቢ ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም ግን ከዓ ምንባብ ወይ ምጽሓፍ ትጽገሙ? ወይ ምናልባት ብኮምፒተር ክትሰርሑ ሓገዝ የድልየኩም ይኸውን? እዞም ነገራት እዚኦም ኣብ ሕብረተሰብ ንጡፍ ኣበርክቶ ክትገብሩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ማለት እዩ። ወርክሰ!ኣብ ኣር.ኦ.ሲ ማንዶሪያን (ROC Mondriaan) ምስ ዶ.ዊር.ሚ (Doe Weer Mee) ብሓባር ይሰርሕ!. ዶ.ዊር.ሚ(Doe Weer Mee) ! ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ይሕግዝ እዩ። ናብ ኣብ ዊጂ ዌስት ዲችቢጅ (WijWestDichtbij) ዝግበር ዘይቁጹር መደብ ምጹ።

ምልምማድ ቋንቋ ሆላንድ

ኣብ መነባብሮ ሂወትኩም ብደምቢ ክትለማመዱ እንተኽኢልኩም ምምሃር ቋንቋ ሆላንድ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ይኸውን። ወርክሰ! ነዚ ንምግባር ብርክት ዝበሉ ቦታታት የቕርብ። ንኣብነት ን መንበሪ መንነት ዘለዎም ሰባት ናይ ቋንቋ ክእለቶም ዝለማመዱሉ ቦታታት ኣለዉና፤ናይ ስራሕ-ተመኩሮ ቦታታት እውን ክልቲኦም ኣብ ወርክሰ ኣለዉና፣ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት። እዞም ቦታታት እዚኦም ብዙሕ ቋንቋ ሆላንድ ምስ መሳርሕትኩም  ንክትዛረቡ የኽእሉኩም ። እቲ ትኹረት ኣብ ምምሕያሽ ክእለት ቋንቋኹም እዩ።

እዞም ሰባት እዚኦም እውን ናብ ስራሕ ተመሊሶም

ተወሳኺ ክትፈልጡ ትደልዩ?

Veel mensen zochten op