ብዘይ ናይ ገንዘብ ጭንቀታት ናብ ስራሕ ምእታው

ብትርፊ ግዜ ወይ ምሉእ ግዜ ዝኽፈል ስራሕ ክትጅምሩ ዲኩም ? ጽቡቅ! እዚ ግን ንናይ ኣታዊ ገንዘብኹም  እንታይ ማለት እዩ?ከምኡ’ውን ንኣብነት ንዝኾነ ትረኽብዎ ጥቕምታት? ናይ ኣታዊ ገንዘብ ክኢላታትና ንኽሕግዙኹም ኣብ ጎንኹም ኣለዉ! እዚ ማለት ድማ  ኣብቲ ሓድሽ ስራሕኩም ክተተኩሩ ትኽእሉ ኢኩም ።

ክኢላ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ

ኣብ ወርክሰ ኣማኻሪኹም ምስቲ ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ክኢላ ቆጸራ ይገብረልኩም እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ቆጸራ፤እቲ ክኢላ ኩነታትኩም ክግምግም እዩ። ብዘይ ዝኽፈል ስራሕ ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ኩነታትኩም ከመይ ከም ዝነበረ፣ከምኡ’ውን ዝኽፍል ስራሕኩም ምስጀመርኩም እንታይ ከም ዝመስል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ትረክቡ። እዚ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ንኹሉ ኣበልን ናይ ቤት መዘጋጃ መደባትን እውን የጠቓልል።

ሓደ ሓደ ግዜ ኩሉ ንጹርን ብሓደ ቆጸራ ክፍታሕ ዝኽእልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፣ ሰለስተ ቆጸራታት የድሊ። ድሕሪኡ ተወሳኺ ሓገዝ ኣሎ ድዩ? ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ካልእ ትካል ከም ኢሶፋ(Isofa) ወይ ፋይናንሳዊ ዊንከል(Financiële Winkel )ነራኸብኩም ፍልጠትን ተመኩሮን  ስለዘለዎም ዝያዳ ይሕግዘኩም። እቲ ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ክኢላ ምስ gemeente Delftን Delft Supportን ብምትሕብባርብወርክሰ ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ።

ናይ ትርፊ ሰዓት ስራሕን ምክፍፋልን

ኣብ ትርፊ ግዜ ትሰርሑ ዲኩም ? ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ዲስፐንሽን ወይ ምክፍፋል ክትረክቡ መሰል ኣለኩም ። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ጥቕሚ ክፍሊትኩም ፤ ገለ ክፋል ናይ ኣታዊኩም ክትሕዙ ይፍቀደልኩም ’ዩ ። ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ኣማኻሪኩም ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክነግረኩም ይኽእል እዩ።

 

ተወሳኺ ክትፈልጡ ትደልዩ?

Veel mensen zochten op