ናይ ስራሕ ቦታታትና
ብዝተኻእለ መጠን ብብቕዓት ንምሕጋዝ ወርክሰ! ብርክት ዝበሉ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣለዎ።
-
Gantel
እዚ ህንፃ እዚ ንዝኣተዎ ሰብ ዝገርም እዩ። ኣብዚ ሳይት ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ስልጠና ዝህቡ ትካላትን ናይ መግቢ ኣዳራሽናን ክትረኽቡትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ናይ ቴሌፎን ስዊች ቦርድና ዘለዎን ኣማኸርትናን ካልኦት መሳርሕትናን ዝሰርሑሉን እዩ። ብፍላይ ንኣጋይሽ ዝኸውን መዕረፊ መካይን ኣሎ ፤ ብኤሌክትሪክ እትሰርሕ መኪናኹም ድማ ኣብቲ ጣብያ ቻርጅ ክትመልኡዋ ትኽእሉ ኢኹም።
Gantel 23, 2635 DP, Den Hoorn -
ጣቢያ WijWest Dichtbij
ዊጅዌስት ዲችትቢጅ (WijWest Dichtbij) ኣብ ማእከል ዕዳጋ ደ ሆቨን (de Hoven) ይርከብ። ካብ ሰኑይ ክሻዕ ዓርቢ ንሕቶታት ንምሕጋዝ ባኣካል ስራሕ ነካይድ። ካብ ሰዓት 9:00 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቀትሪ ስራሕ ንኸፍት ኢና። ናይ ወርክሰ ኣማኸርቲ ምስ ካልኦት ትካላት ከም ደልፍት ቮረኢልካር (Delft voorElkaar), ጊጊዜድ ደልፍላንድ (GGZ Delfland) ን ደልፍ ሳፖርት (Delft Support)ን ብሓባር ይሰርሑ። እቲ ዞባዊ ማእከል ስራሕ እውን ኣብዚ ቦታ ይርከብ።
Winkelcentrum de Hoven, tegenover supermarkt Dirk, Troelstralaan 71, 2624 ET, Delft
