ምስ መንገዲ-Z ምውህሃድ
መንገዲ ናጽነት (zelfredzaamheidsroute ወይ Z-route) ንመጻኢኹም ኣብ ሆላንድ ዘዳልወኩም ናይ ትምህርቲ መንገዲ እዩ። ኣብ ቤት መዘጋጃ ደልፍት ዝግበር ናይ ውህደት ዕዮ ክትከታተሉ ዲኹም? ከምኡ ውን መንገዲ-Z ክትከታተሉ ዲኹም? ሽዑ ቋንቋ ሆላንድ ብናይ ባዕልኹም ደረጃ ክትመሃሩ ኢኹም።

መንገዲ ትምህርቲ እንታይ እዩ?
መንገዲ ትምህርቲ ናይ ውህደት ትልሚ እዩ። እቲ ትልሚ ንኣብነት ቋንቋ ሆላንድ ንምምሃር ክትከታተልዎም እትኽእሉ ትምህርቲ ይገልጽ። እቲ ትልሚ ውልቃዊ ምዕባለኹም ንምዕባይ ኣየኖት ንጥፈታት ከም እትገብሩ እውን ይገልጽ። ናይቲ ቤት መዘጋጃ ውልቃዊ ትልሚ ውህደትን ተሳትፎን (PIP) ኣየናይ ናይ ትምህርቲ መንገዲ ከም እትኽተሉ ይገልጽ። እቲ ቤት መዘጋጃ ናይ መንገዲ ወጻኢታት ይኸፍል ወርክሴን ከዓ ይከታተለኩም።

ውልቃዊ ምዕባለን ትምህርቲ ቋንቋን
ኣብ ደልፍት ዝርከብ ታልስኩል ሪጅስዊክ(Taalschool Rijswijk) 800 ሰዓታት ዝወስድ ትምህርቲ ቋንቋ ሆላንድ ክትከታተሉ ኢኹም። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክትርከቡ ኣለኩም። 800 ናይ ተሳትፎ ሰዓታት እውን ክትገብሩ ኣለኩም። እዚኦም ናይ ስልጠና ዕዮታት ትከታተሉሎምን ናይ ስራሕ ተመኩሮ ትሃንጸሎምን ሰዓታት እዮም። ስርዓት ዘለዎም ክፍለ ግዜታት ከም ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ናጽነት (Financiële Zelfredzaamheid) ስልጠና ዕዮ፣ መስርሕ ኣዋጅ ሲቪካዊ ተሳትፎ (PVT) ከምኡ’ውን ዕዳጋ ስራሕን ሞጁል ተሳትፎን (MAP) ክትከታተሉ ኢኹም። ኣብ ወርክሰ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ትረኽቡ። ኣብ ስታርትፑንት(Startpunt )ንቡር ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ሆላንድ ከመይ ከም ዝመስል ትመሃሩ። ብድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ወርክሰ ተመኩሮ ክትረኽቡ ትኸዱ።
ናይ ውህደት ዕዮ ምስ ወዳእኹም
800 ናይ ትምህርቲ ሰዓታትን 800 ናይ ተሳትፎ ሰዓታት ምስ ወዳእኹም ውህደትኩም ይዛዘም። ነቲ ዕዮ ከም ዝወዳእኹሞ ዘርኢ ምስክር ወረቐት ድማ ክወሃበኩም እዩ። ን መንገዲ-Z ንምዝዛም እንተበዝሐ ሰለስተ ዓመት ኣለኩም። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ወርክስኩም ክሕግዘኩም እዩ።