ምስ መንገዲ-B1 ምውህሃድ
እቲ መንገዲ-B1 ንቋንቋን (ነፃ ፍቓዳዊ) ስራሕን ዝኸውን ናይ ትምህርቲ መንገዲ እዩ። ኣብ ቤት መዘጋጃ ደልፍት ዝግበር ናይ ውህደት ዕዮ ክትከታተሉ ዲኹም? ነዚ መስመር እዚኸ ክትኽተልዎ ዲኹም? ድሕሪኡ ክሳብ ደረጃ B1 ምርዳእ፣ምንባብን ምጽሓፍን ክትመሃሩ ኢኹም።

መንገዲ ትምህርቲ እንታይ እዩ?
መንገዲ ትምህርቲ ናይ ውህደት ትልሚ እዩ። እቲ ትልሚ ንኣብነት ቋንቋ ሆላንድ ንምምሃር ክትከታተልዎም እትኽእሉ ትምህርቲ ይገልጽ። እቲ ትልሚ ውልቃዊ ምዕባለኹም ንምዕባይ ኣየኖት ንጥፈታት ከም እትገብሩ እውን ይገልጽ። ናይቲ ቤት መዘጋጃ ውልቃዊ ትልሚ ውህደትን ተሳትፎን (PIP) ኣየናይ ናይ ትምህርቲ መንገዲ ከም እትኽተሉ ይገልጽ። እቲ ቤት መዘጋጃ ናይ መንገዲ ወጻኢታት ይኸፍል ወርክሴን ከዓ ይከታተለኩም።

ውልቃዊ ምዕባለን ትምህርቲ ቋንቋን
ኣብ ሄግ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ሳገን ናይ ትምህርቲ ቋንቋ ሆላንድ ክትከታተሉ ኢኹም። ኩሉ ትምህርቲ ንምክትታል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኸዱ ኣለኩም። ነቲ ፈተና ብ5 ክፋላት ኮፍ ክትብሉ ኢኹም እዚ ብምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብ፣ ምስማዕን ከምኡውን ፍልጠት ሕብረተሰብ ሆላንድን (KNM)ማለት እዩ። ብዘይካ እቲ ኣብ ሳገን ዝወሃብ ትምህርቲ፤ ናይ ኣታዊ ገንዘብ ወይ ፋይናንስ ናጽነት (Financiële Zelfredzaamheid) ስልጠና ዕዮ፣ መስርሕ ኣዋጅ ሲቪካዊ ተሳትፎ (PVT) ከምኡ’ውን ዕዳጋ ስራሕን ተሳትፎን ሞጁል (MAP) ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ኣማኻሪኹም ብሓባር ብምዃን ንነፍሲ ወከፍ ቀጻሊ ስጉምቲ ከም ናፃ ፍቓዳዊ ስራሕ፣ ክእለት ቋንቋኹም ክትለማመድሉ ትኽእልሉ ቦታ ወይ ብዛዐባ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ትዘራረቡ።
ዲፕሎማ ውህደት
ኩሉ ናይ ስልጠና ዕዮታት ወዲእኹም ፈተናታት ምስ ሓለፍኩም ሽዑ ከይዲ ውህደትኩም ተዛዚሙ ዲፕሎማ ውህደት ክትረኽቡ ኢኹም። ንመንገዲ-B1፡ ነዚ ንምዝዛም እንተበዚሑ ሰለስተ ዓመት ኣለኩም። ኣብዚ እዋን ናይ ወርክስ ኣማኻሪኹም ክሕግዘኩም እዩ።